ቀይሕ ካርድታት
Authored By: Immigrant Legal Resource Center
ሕገ መንግስቲ ብዝፈቕዶ መሰረት መሰልካ/መሰልኪ ሕሉው እዩ። ማዕጾ ከይትኸፍት/ከይትኸፍቲ ዋላ ውን ናይ ኢሚግሬሽን ወኪል እንተዃሕኮሐ። ንዝኾነ ይኹን ሕቶ መልሲ ኣይትሃብ/ኣይትሃቢ እንተድኣ ናይ ኢሚግሬሽን ወኪል ክሓተካ/ክሓተኪ ፈቲኑ። ናይ ዘይምምላስ መሰልካ/መሰልኪ ዝተሓለወ እዩ። ንጠበቓ ከየዘራረብካ/ከየዘራረብኪ ዝኾነ ይኹን ነገር ኣትፈርም/ኣይትፈርሚ።ምስ ጠበቓ ናይ ምዝራብ መሰል ኣለካ/ኣለኪ። እንተድኣ ካብ ገዛኻ/ገዛኺ ወጻኢኣለኻ/ኣለኺ፡ ነቲ ወኪል ክትከይድ/ክትከዲ ከም እትኽእል/እትኽእሊ ኣፍቅድ/ኣፍቅዲ፡ እንተድኣ ፈቒዱልካ/ፈቒዱልኪ ድማ ብህድኣት ኪድ/ኪዲ። እዚኣ ካርድ ነቲ ወኪል ሀቦ። ኣብ ገዛ እንተለኻ/እንተለኺ: እታ ካርድ በቲ መስኮት ኣርእዪ: ወይ ድማ ብትሕቲ ማዕጾ ኣቐበልዮ።
Link: www.ilrc.org
Last Review and Update: Nov 20, 2024